Tigrinya Riddles ሕንቅል ሕንቅሊተይ icon

Tigrinya Riddles ሕንቅል ሕንቅሊተይ

Afromium Digital Solutions
Free
10,000+ downloads

About Tigrinya Riddles ሕንቅል ሕንቅሊተይ

ሕንቅል ሕንቅሊተይ ብትግርኛ
Tigrigna Riddles, Tigrinya Riddles

ሕንቅልሕንቅሊተይ ... መሰነይተይ (ሰናብሰናቢተይ)
ሕንቅልሕንቅሊተይ ሓደ ሓሳብ ወይ ሕቶ ኾይኑ፣ ኣብ ውሽጡ ዝተሰወረ ወይ ድርብ መልእክቲ ዘለዎ ኢዩ። እቲ ናይ ብሓቂ መግለጺኡ እኳ ኣብ ክትዕ ዘሎ እንተኾነ ከምዚ ዝስዕብ ክግለጽ ይክእል፣ ሕንቅልሕንቅሊተይ ማለት ሓደ ባህላዊ ናይ ቃል ኣገላልጻ ኮይኑ ሓደ ወይ ልዕሊኡ ገላጺ ክፋላት ክሕዝ ይኽእል፣ እዞም ጽምዲ ክፋላት ተጻረርቲ ክኾኑ ዝኽእሎ ኮይኖም ፣ እቲ ዝሕተት ዘሎ ባእታ ከኣ ይግመት።

ሕንቅልሕንቅሊተይ ክልተ ዓይነት ኮይኖም፣ እቲ ሓደ ብተምሳሌታዊ ኣገላልጻ ዝግለጽ ኮይኑ ብጥንቃቀ ምሕሳብን ብልሕን ዘድልዮ ኢዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ሕቶ ኮይኑ ኣብቲ ውጽኢት ናይቲ ናቶም ማንታ-ቓላዊ ወይ ናይ ዋዛ ኣገላልጻ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕቶ ወይ መልሲ ዝምርኮሱ ኢዮም።

ኣብ ሃገርና ካብ ነዊሕ ጀሚሩ ዝነበረን ኣብ መላእ ዓለም እውን ናይ ነዊሕ ዝጸንሐ ታሪኽ ዘለዎ ኢዩ፣ ኣብ ብዙሕ እዋናት እውን ከም ዓለም ለኻዊ ስነጥበብ ይግለጽ። ኣብ ሃገርና ኣብ ነፍሲወከፍ ገዛ ከም መብልሒ ኣእምሮን ከም መዘናግዒን ዝዝውተር ዝነበረን ዘሎን ኢዩ።

ሕንቅልሕንቅሊተይ ዝብል ሕቶ ብ መሰነይተይ (ሰናብሰናቢተይ ኣብ ናይዚ ሕጂ ወለዶ) ምስ ተመለሰ፣ እቲ ዝስዕብ ሓሳብ ወይ ሕቶ ይመጽእ፣ እቲ ዝሕተት ዘሎ እውን ይምልስ። ኣብ መንጎ ክልተ ሀን ለን ኢልና ዝሰመናዮም ሰባት፣ ሕንቅልሕንቅሊተይ ከመይ ከም ዝመስል ንርአ።

ሀ፡ ሕንቅልሕንቅሊተይ
ለ፡ መሰነይተይ (ሰናብሰናቢተይ)
ሀ፡ “ለይቲ ተሰሊማ ቀትሪ እትቕንጠጥ” ፍለጠለይ
ለ፡ ሰማይ

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ኣብነት ኣብ መንጎ ክልተ ሰባት ኮይኑ፣ ኣገባብ ሕንቅልሕቅሊተይ የርእየና። ናይዚ ሕቶ ስውር ሓሳብ፣ ኣብቲ ናይ ኣብ ግዜ ለይቲ ዘሎ ብከዋኽብቲ ዝመጽእ ግርማ ናይ ሰማይ ዝተመርኮሰ ኢዩ።

Tigrinya Riddles ሕንቅል ሕንቅሊተይ Screenshots